ኣብ ከተማ ኣፅቢ ወንበርታ ስነ-ስርዓት ምውላዕ ሽምዓ ብዘይሕጋውያን ደለልቲ ተታሊሎም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝሰግርሉ እዋን ብዘጋጠሞም ሓደጋ ዝጠሓሉ መናእሰይ ተሳሊጡ ።

ካብ ጣብያታት ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ተበጊሶም ቐይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ብየመን ኣቢሎም ናብ ስዑዲ ዓረብን ንምእታው ሃቂኖም ኣብ ጉዕዞ ዝነበሩ ወገናት ብዘጋጠሞም ሃንደበታዊ ሓደጋ ምጥሓል ጀልባ ህይወቶም ንዝሰኣኑ መንእሰያት ተጋሩ 9 ሚያዝያ 2011 ዓ/ም ስራሕተኛታት መንግስቲን ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ከምኡ እውን ነበርቲ ወረዳ ከተማ ኣፅቢ ወምበርታ ኣብዝተረኸብሉ ናይሕልና ፀሎትን ስነ ስርዓት ዝኽሪ ምብራህ ጡዋፍ ኣካይዶም ::

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምብራህ ጡዋፍ ተረኺበን
ንስድራ ግዳያትን ህዝቢ ትግራይን ናይ ፅንዓት ይሃብኩም መልእኽቲ ዘሕለፋ ምክትል ዋና ኣማሓዳሪት ወረዳ ኣፅቢ ወምበርታ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ተኽላይ እንትኾና፡፡

ዘይሕጋዊ ስደት ትኩስ መፍረያይ ሓይሊ ዘጥፍእን ኣብ ሊዕሊ ቤተሰብ ዘይትካእ ዕንወት ዘስዕብ ጉዳይ ስለዝኾነ ሕድሕድ ስድራ ካብዚ ናይ ሎሚ ሓደጋ ትምህርቲ ወስዱ ኣብዚ ጉዳይ ዝነጥፋ ዘይሕጋውያን ደለልቲ ከቓልዕን ብትረት ክቓለሶምን ፀውዐን፡፡

ዛጊድ ን41 ግዳይ እቲ ሓደጋ ዝኮኑ ቤተሰብ ስነ ስርዓት መርድእን ምፅንዕናን ከምዝተኻየደ እውን ወስኸን ሓቢረን እየን፡፡

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስት ክልል ትግራይ


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of