ኣብ ከተማ ኣክሱም ንዝኽሪ ስውእ ተጋዳላይ ሃይለ ተኽሉ /ክንደያ/ ንዝስራሕ ሓወልቲ እምነ ሰረት ተነቢሩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 21/09/2011) ሰውእ ተጋዳላይ ሃይለ ተኽሉ /ክንደያ/ ካብቶም ብጀግንነቶም ዝያዳ ዝፍለጡ ተጋደልቲ ህወሓት ኾይኑ ሚሽጥር ውድቡ ኣሕሊፉ ንዘይምሃብ መልሓሱ ዝቐረፀ ጀግና ተቃላሳይ እዩ፡፡

ብምዃኑ ድማ ንዝኽሩ ሓወልቲ ንምህናፅ ብምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልልና ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል እምነ ኩርናዕ ተነቢሩ፡፡

ኣብቲ ምንባር እምነ ሰረት ንዶክተር ደብረፅዮን ሓዊሱ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእኸል ኣይተ እያሱ ተስፋይን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ ክልልና ዝተረኸቡ እንትኾኑ ድሕሪ እቲ ስነ ሰርዓት ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላትን ኣብ ህንፀት ዝርከብ ኣባይቲ ዓርሰ ምትሕግጋዝ ከምኡ እውን ኣብ ስራሕቲ ድኣንት ዝተወደቡ መናእሰይን ዑደት ተኻይዱ ይብል ፀብፃብ መሳርሕትና ሃፍቶም ገብረዮሃንስ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of