ኣብ ከተማ ባህርዳር ‘ኣባይ ማዶ’ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ትማሊ ሰንበት ብዝተኸፈተ ልውውጥ ቶክሲ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም።

(ኤፍኤምመቐለ 08/11/2011) እቲ ተኹሲ ኣብ ሞንጎ ሓደ ብፖሊስ ዝድለ ዝነበረ ውልቀ-ሰብን ሚሊሻታትን ዝተኸፈተ ምንባሩ ተፈሊጡ።

ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ኣባል ፖሊስ ከተማ ባህርዳር ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ምስ ሚሊሻታትን ዝተታኾሰ ውልቀ-ሰብ ብገበን ቅትለት ተጠርጢሩ ክህደን ዝፀንሐ ኮይኑ ተጠርጣሪ ኣብ ቁፅፅር ከውዕልዎ ይከታተልዎ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ናይቲ ከባቢ ሚሊሻታት ቶኹሲ ብምኽፋቱ’ዩ እቲ ሓደጋ ሞት ኣጋጢሙ።

“ሸፊቱ” ምንባሩ ዝዝረበሉ ጥርጡር ኣብ ገዝኡ ክቆፃፀርዎ ንዝከዱ ክልተ ኣባላት ሚሊሻ ዝቐተለ እንትኮን ኣብ ካልኦት ኣባላት ፖሊስ እውን ቶክሲ ከፊቱ እዩ ፡፡ እቲ ዝህደን ዝነበረ ውልቀሰብ ግን ቆሲሉ ናብ ሆስፒታል ምስተወሰደ’ዩ ህይወቱ ሓሊፋ ተባሂሉ።

ቅድሚ ሰሙናት ተፈቲኑ ኣብ ዝተበሃለ ዕልዋ መንግስቲ ብዝተፈፀመ ቅትለት ኣብ ስንባደ ዝርከቡ ነበርቲ ከተማ ባህርዳር በቲ ናይ ሰንበት ተኹሲ ናብ ከቢድ ስግኣት ኣትዮም ነይሮም ይብል ፃብፃብ ቢ ቢ ሲ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments