ኣብ ከተማ መቂ መትረየስ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣፅዋር ተታሒዙ፡፡

እዞም ኣፅዋር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓሉ ኣብ ምብራቕ ሸዋ ወረዳ ዱግዳ ከተማ መቂ ኮይኑ ክተሓዝ ዝኸኣለ ፖሊስ ምስ ቤት ፍርዲ ብምትሕብባር ብዝተገበረ ተፍታሽ እዩ ክብሉ ኣብ ምብራቕ ሸዋ ርክብ ህዝቢ መምርሒ ፖሊስ ኮማንደር ኣስቻለው ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮያ ኣፍሊጦም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  21/01/2012)ብመሰረት ዝተገበረ ተፍታሽ ሓደ መትረየስ፣ 3ተ ሽጉጥን ካልኦት ኣፅዋር ዝተረኸቡ እንትኾኑ ኣብ መንበሪ ተጠርጠርቲ እዩ ክርከብ ክኢሉ ይብል ፀብፃብ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of