ኣብ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝተፈተነ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ዉፅኢታዊ ኮይኑ፡፡

ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝተፈተነ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ዉፅኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊፁ ዘሎ ንቲ ክታበት ዝወሰደት እንግሊዛዊት ግዳይ ቫይረስ ኮሮና ድሕሪ እቲ ክታበት ምዉሳዳ ካብቲ ዝነበራ ከቢድ ሕማም ቁልጡፍ ለዉጢ ከተመዝግብ ብምኽኣላ ስዒቡ ከምዝኾነ ማዕከን ዜና ዘጋርድያን ሐዚ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝተፈተነን ዉፅኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊፁን  ዘሎ እዚ ክታበት  ኣብ ሃገረ እንግሊዝ  ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ብምርምር ዝተረኽበ ከምዝኾነን ንዚ ንፈተነ ክታበት ዝወሰደት ግዳይ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ዝነበረት ዶክተር ኤሊሳ ግራናቶ ቁልጡፍ ምምሕያሽ ጥዕና ከምዘርኣየት ተረጋጊፁ’ሎ፡፡

ሚኒስትሪ ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ ኣብዚ ጉዳይ ተደሪኹ ኣብ ዘዉፀኦ መግለፂ እቲ ንፈተነ ዝተዉሃበ መድሓኒት ክታበት ፅቡቕ ዉፅኢት ከምዘመዝገበ ሓቢሩ’ሎ ከም ፀብፃብ ማዕከን ዜና ዘጋርድያን፡፡  

( ኣብ ሎሚ ኮይና ጉቡእ ጥንቃቐ እንተገይርናን ንመስርሕ ሜላ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ኣብ ግብሪ እንተዉዒልናን ፅባሕ ቡሩህ’ዩ ተስፋና፡፡)


0