ኣብ እስራኤል ካህናትን ዲያቆናትን ኤርትራ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተገሊፁ

   (ኤፍኤምመቐለ  25/03/2012   ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከባ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ብዝተፈጥረ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ ካህናትን ዲያቆናትን ኤርትራ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ ፡፡

        ኣፍቲ ኣብ ቀፅሪ ቤተክርስትያን እንዳማርያም  ንጊዚኡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰለስተ ሰባት ጸሎት ይገብር ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኤርትራዊ ዲያቆ ኣልኣዛር ደጋጊሞም ብካራ ክወግኡዎ እንከሎን ተሰኒፉ ክወድቕ እንከሎን ዘርኢ ‘ብሲሲቲቪ’ ዝተሰኣለ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምዝርጉሑን ኣዝዩ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ምህላውን ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

      እዞም ኣገልገልቲ ቤተክርስቲያን፡ ብሰንኪ ጉዳይ እቶም ኣብ ገዝኦም ተቐይዶም ዝርከቡ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ተኸፋፊሎም ብተደጋጋሚ ክሰሓሓቡ ከምዝፀንሑን ኣረዲኡ።

         ኣብ እስራኤል፡ ክልተ እንዳማርያም፡ እንዳ መድሃኔ ኣለምን ኣቡነ ተኽለን ዝተባህላ ኣርባዕተ ቤተክርስትያን – ኤርትራውያን ዝግልገሉለን ከምዝኾናን ካብዚኤን ኣብ እንዳ ኣቡነ ተኽለን እታ ሓንቲ እንዳማርያምን፡ ሳልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንክፍትሑ ዝጠልቡ ምእመናን ዝግልገሉለን ምዃነን ንነበርቲ እስራኤል ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ።

        ካብ ኣሜሪካ ዝመጽኡ ኣቡነ ሉቃስ፡ እቶም ተኣሲሮም ዘለው ኣቡነ እንጠንዮስ ውጉዝ’ዮም፣ መንግስቲ ዝሃቦም ፍርዲ ክቕበሉ ኣለዎም ድሕሪ ምባሎም እቲ ጎንጺ ከምዝተባረዐ’ዉን ወሲኹ ሓቢሩ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of