ቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ንሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ኣብ ዙርያ ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣመልኪቱ ዓቅሚ መዕበይ ስልጠና ሂቡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  13/12/2011) እቲ ዝተወሃበ ኣቅሚ መዕበይ ስልጠና ናይ ሕድሕድ ኣብያተ ፅሕፈት ሓለፍቲ፣ ኣመሓደርቲን ጣብያታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዘሳተፈ እንትኸውን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ዘረባ ዘስምዑ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ኣይተ ገብረኣነንያ በሪሁ ከም ዝበልዎ ኤች ኣይቪ ኤድስ ኣብ ሃገርና ይኹን ኣብ ክልልና ብፍላይ ድማ ኣብ ክፍለ ከተማና ኣብዚ ሕዚ እዋን ብጣዕሚ ተስፋሕፊሑ ይርከብ ምስበሉ ዋና ምኽንያት ከዓ ኣብዚ ተረኺብና ዘለና ሓለፍቲ ጉቡእና ስለ ዘይተዋፃእና ኢና ኢሎም፡፡

እቶም ተሳተፍቲ ማእኸል ኤች ኣይ ቪ ኤድስ ይስፋሕፋሕ ስለዘሎ ነዚ መቆፃፀሪ ዝኸውን ክፍለ ከተማና መሰረት ዝገበረ መስርሒ ደንቢ ኣውፂና ብቁልጡፍ ናብ ተግባር ክናእትው ይግባኣና ኢሎም ክብል ክኢላ ፕረስ ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ተካ ፍስሃ ፀብፂቡ፡፡

1


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of