ኣብ ኤርትራ ክልተ ሓደሽቲ ግዳይ ረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ተረኺቦም፡፡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር።

ሚኒስትሪ ጥዕና ትማሊ ምሸት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓንቲ ጓል 61 ዓመት ወላዲትን ወዲ 32 ዓመትን  ብዝተገበረሎም ምርመራ ግዳይ ቫይረስ ረኽሲ ቫይረስ ይኖም ምርካቦም ሓቢሩ፡፡

 እዚ ዉፅኢት ተረኺቡ ዘሎ ካብ ሞንጎ 14 ሰባት ዝተገበረሎም ምርመራ እቶም ከልተ ግዳይ ቫይረስ ኮሮና  ኮይኖም ተረኺቦም ዘለዉ እተን ኣደ ቅድሚ ዓለም ለኸ እገዳ በረራ ነፈርቲ እታ ሃገር ካብ ደገ ናብ ኤርትራ ዝኣተዋ ክኾና ከለዋ እቲ ሓደ ግን ካብታ ሃገር ንደገ ናይ ምንቅስቓስ ታሪ ዘይብሉ ከምዝኾነ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሓፈሻዊ ቐፅሪ ግዳይ ረኽሲ ቫይረስ ኮሮና እታ ሃገር ናብ 31 ከምዝበረኸ ኣፍሊጡ፡፡


0