ኣብ ኤርትራ ብቑልጡፍ ኩነታት ይቐያየር’ሎ – መንግስቲ እንግሊዝ ፡፡

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዝረአ ዘሎ ቁልጡፍን ዘይምዕሩይን ኩነታት ንኹሎም ሰራሕተኛታቱ  ካብ ኤርትራ ከዉፅእ ከምዝተገደደ ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ከምዘፍለጠ ቢቢሲ ሓቢሩ፡፡

        እቲ ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ሃገረ እንግሊዝ ዝወፀ መግለፂ ከምዝሓበሮ ሰራሕተኛታት ኢምባሲ ኣብ ኤርትራ ንኹሎም ከምዘዉፀኦምን ፤ ዘዉፀሉ ቀንዲ ምኽንያት ክኣ “እቲ ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ኩነታት ምኽንያት ብምግባር ንግዚኡ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ካብታ ሃገር ኣዉፂአዮም ኣለኹ” ክብል ቃል ብቓል ብምግላፅ ኣፍሊጡ’ሎ፡፡

       ካልኦት ካብ ኣስመራ ክወፁ ዝደልዩ ወፃእተኛታት ዲፕሎማት ከኣ ኣቐዲሞም ናይ መገሻ ፍቓድ ክሓቱ እቲ ኤምባሲ ከምዘተሓሳሰበ ዝሓበረ ቢቢሲ ንሰራሕተኛታት እቲ ኢምባሲ ካብ ኤርትራ ንምንታይን ስለምንታይን ክስሕቦም ከምዝተገደደ ግን ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ካብ ምሃብ ዋላ’ኳ ተተቖጠበ ንቲ ቃል ብቓል “እቲ ኣብ ኤርትራ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ኩነታት ምኽንያት ብምግባር ንግዚኡ ንኹሎም ሰራሕተኛታት ካብታ ሃገር ኣዉፂአዮም ኣለኹ” ክብል ዘዉፀኦ ሓበሬታ ተደሪኹ’ዉን ማዕከን ዜና ቢቢሲ ዝበሎ ነገር የለን፡፡

             ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ኤምባሲ መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን ኣቐዲሙ ን29 ዜጋታቱን ካልኦት ዜጋታት ወፃእን ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ከምዝመለሶም ኢምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።


0