ኣብ ኣብያተ መዘጋጃ ክልልና ብጉልባብን ኣመኽንዮን ዉሳነ ቤት ፍርዲ ዘሎ ተርእዮ ግህሰት መስርሕ መንግስቲን ጉሕለት ዝማእኸሉ ዉራ መሬትን ነዊሕ ርሕቐት ስለዘየኽይድ ኣደብ ኽግበረሉ ከምዝግባእ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ ።

    (ኤፍኤምመቐለ  24/03/2012 ምክትል ፕረዝዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ኣይተ ተስፋይ ገ/መድህን ኣብ መሪሕነት ቤት መዘጋጃ ክፍለ ከተማ ሰሜን መቐለ ንዝተርኣየ ፋሉልን ቃልዕ ግህሰት መስርሕ መንግስትን መሰረት ገይሩ 104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዘቕረበሎም ሕቶን ዝሃብዎ ምላሽን ከምዝገለፅዎ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንዘጋጥሙ ንሕጊ ዝተመሓላለፉ ዉሳነታት ንምዕራዮም ዝተፋላለዩ ኣማራፅታትን መእተዊ ሕጊን ተጠቒምካ ኣብ ክንዲ ንምዕራይ ምቅላስ ብጉልባብ ዉሳነ ቤት ፍርዲ ካብ ተሓታትነት ከተምልጥ ምፍታን ነዊሕ ርሕቐት ኣየሰጉምን ኢሎም ። 

             ዝኾነ ይኹን ህንፃ ዘይዓረፎ መሬት ምሻጥ ኩልኩል ምዃኑ ዘይፈልጥ መንግስታዊ ኣካል ስለዘየለ ንዚ ዝተመሓላለፈ ዉሳነ ቤት ፍርዲ ምስ ዘጋጥም ንጌጋ ዉሳነ ቤት ፍርዲ ንምዕራይ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ስለዘለዉ ንምዕራዮም ኣብ ክንዲ ምቅላስ እቲ ፀገም ፀገም ቤት ፍርዲ እዩ ኢልካ ሕጊ ንዘየፍቅዶ ስራሕ ምትግባር ኣግባብ ኣይኮነን ኢሎም ፡፡

               ብጉልባብ ጌጋ ዉሳነ ቤት ፍርዲ ጥራይ ዘይኮነ ንጌጋ ዉሳነ ቤት ፍርዲ ምህራፍ ዘይኮነስ ምቅላስ እዩ ተመራፂ ዝበሉ ኣይተ ተስፋይ ብጉልባብ ጌጋ ዉሳነ ቤትፍርዲ ኢቲ ጌጋ ናትና ዘይኮነስ ናይ ቤት ፍርዲ እዩ ብዝብል ዉልቀ ድሌታትካ ከተሰጉም ምፍታንን ንብረት ህዝብን መንግስትን ዝኾነ መሬት ንብኽነት ምስጣሕን ካብ ተሓታትነት ከተምልጠሉ እትኽእል ነዃል መንገዲ ገይርካ ምጥቃም ኣየዋፅእን ኢሎም ፡፡

               ኣብዚ መዳይ ንዝረኣዩ ክፍተታት ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኣተኩሮ ሂቦም ንኽሰርሕሉ ዝሓበሩ ኣይተ ተስፋይ ዝኾነ ይኹን ንሕጊ ዝተመሓላለፈ ዉሳነ ቅድሚ ምትግባሩ ንምዕራዩ ዝተገበረ ፃዕሪ’ዉን ኣካል ፅፈት ስራሕ ተገይሩ ኽቑፀር ከምዘለዎን ብኩለመዳይ ነዉሪ ካብ ዝኾነ ስርቅን ምዝባዕ መስርሕ መንግስትን ምእዳብ ኣገዳሲ’ዩ ኢሎም ።        


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of