ኣብ ኢትዮጵያ 7 ሓደሽትን ተወሰኽት ግዳይ ቫይረስ ኮሮና ተረኺቦም፡፡

ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ከምዝገለፀኦ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት  ካብ ሞንጎ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም 401 ሰባት 7 ሓደሽቲን ተወሰኽቲን ግዳይ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቡን ሓፈሻዊ ቁፅሪ ግዳይ ቫይረስ ኮሮና 92 ከምዝበፅሐን ኣፍሊጠን ፡፡

ዶ/ር ሊያ ታደሰ ከምዝገለፀኦ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ 7 ሓደሽቲን ተወሰኽት ግዳይ ቫይረስ ኮሮና ተረኺቦም ዘለዉ እቶም 6 ናይ ደገ ጉዕዞ ታሪኽ ዝነበሮም ክኾኑ ከለዉ እቲ ሓደ ግን ናይ ደገ ጉዕዞ ታሪኽ ዘይነበራ ግን ክኣ ምስ ግዳያት መቕርብ ከምዝነበረትን ሓቢረን፡፡

እቶም ግዳያት ኩሎም ኣብ መፍለይን መከታተልን ቦታ ንበይኖም ተኣልዮም ዝነበሩ ከምዝኾኑ ድማ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ወሲኸን ገሊፀን፡፡


0