ኣብ ኢትዮጵያ 3 ሓደሽቲን ተወሰኽትን ግዳይ ቫይረስ ኮሮና ተረኺቦም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ካብ ሞንጎ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሎም 89 ሰባት እቶም 3 ሓደሽቲ ብረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ተለ፤ኹፎም ከምዝተረኸቡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጥዕና ሃገርና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ገሊፀን፡፡

 ካብ ሞንጎ እቶም ሓደሽቲ ግዳይ ቫይረስ ኮሮና ኮይኖም ዘለዉ

ወዲ 29 ዓመት መንእሰይ ክኾን ከሎ 10 መጋቢት ካብ ዱባይ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወን ብረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተለኸፈ ሰብ መቕርብ ዝነበረ ከምዝኾነን

ወዲ 34 ዓመት 23 መጋቢ ካብ ዱባይ ዝመፀን ኣብ ማእኸል መፍለይ ቦታ ዝፀንሐን

እተን  ሳልሰይቲ ጓል 35 ዓመት ኮይነን ካብ ሱዑድያ ናብ ሃገረን ዝኣተዋን ኣብ መፍለይ ቦታ ከምዝፀንሓን ዝሓበራ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶ/ር ሊያ ታደሰ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቁፅሪ ግዳያት ረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ናብ 38 ከምዝበረኸ አፍሊጠን፡፡   


0