ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምዝራብ ናፅነት ተርእዮታት ምዕፋን ከምዘሎ ሲፒጄ ከሲሱ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  01/04/2012ቢቢሲ ከምዝሓበሮ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2019 ዝተኣሰሩ ነጠፍቲ ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን ከምዘለዉን ዝ መብዛሕተኦም “ብናይ ጋዜጠኝነት ሞይኦም ዘይኮነስ፡ ብፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ዝተኣሰሩ እዮም ማእሰርቲ ናይዞም ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ፖለቲካን ድማ ዘተሓሳስብ እዩ” ክብል ትካል ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰል ሲፒጄ ኣቃሊዑ ።

     “ናይ ተቓውሞ ድምፅታት ንምዕፋን፡ መንግስቲ ባዕሉ ቅድም ክብል ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ዝነበሩ ሜላታት እዮም ዝብሎም ዝነበረ ተመሊሱ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሎም ጀሚሩ’ሎ ” ኢሉ ሲፒጄ።

    ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሃገርና ተቓውሞን ናዕብታትን ምስተላዕለ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኢንተርኔት ከምዘቋረፁን፡ ንቤት ፅሕፈት ሲዳማ ሚድያ ኔትወርክ ንመዓልታት ከምዝዓፀውዎን እቲ ትካል ገሊፁ  ኣብቲ እዋን 900 ሰባት ከምዝተኣሰሩን ካብቶም ዝተኣሰሩ፡ ኣመራርሓን ኣባላትን ሲዳማ ሚድያ ኔትወርክ ከምዝርከብዎም እውን ሲፒጄ ገሊፁ።

      ብቋንቋ ኦሮምኛ ኣብ መርበብ ኣብ ዝቃላሕ ሚድያ ዝሰርሑ ካልኦት 5 ሰባት እውን ኣብ ወርሒ መስከረም ብሽበራ ተጠርጢሮም ከምዝተኣሰሩን ሰለስተ ካብኦም ሕዚ ተፈቲሖም ምህላዎምን ሲፒጄ ኣመልኪቱ።

     ብተወሳኺ፡ ኣመሓዳሪ ኦሮሚያ ኒውሰ ኔትዎርክን ኣባል ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ዝኾነ ያዘው ከበደው ዝበሃል ጋዜጠኛን-ነጣፊ-ፖለቲካን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዝተኣሰረን ማእሰርቲ ናይዞም ሰባት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ምዝራብ ናጽነት ናይ ምጭፍላቕ ተርእዮታት ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ድማ ኢሉ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of