ኣብ ኢራን ዝተሓምሸሸት ንነፋሪት መጉዓዝያ ዩክሬን -ኢራን ከምዝወቕዐታ ኣሚና፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  02/05/2012)ኣብ ኢራን ዝተሓምሸሸት 176 ገያሾ ሒዛ ዝነበረት ነፋሪት መጎዓዝያ ዩክሬን ብመስመር ከባብታት ድሕንነት ኢራን ትበርር ስለዝነበረት ሓይልታት ምክልኻል ኢራን ብጌጋ ብሚሳይል ከምዝሃረማ  መንግስቲ ኢራን ኣሚኑ።

        ንሃገራዊ ቴለቪዥን ኢራን ብምጥቃስ ቢቢሲ ከምዝገለፆ  እታ ነፋሪት መጉዓዝያ ዩክሬን ብምሳይል ተወቒዓ ንክትወድቕን ህይወት 176 ኽቑጠፍን ዝገበሩ ኣካላት ተሓተትቲ ከምዝኾኑ መንግስቲ ኢራን ግልፂ ገይሩ፡፡

ቅድም ክብል መንግስትታት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ብሪጣንያ፣ ዩክሬንን ዒራቕን፡ እታ ነፋሪት ብስርሓት ሩስያ ዝኾነ ሚሳይል ብስሕተት ተወቒዓ ምውዳቓ ዝገልፅ መረዳእታ ከምዘለዎም ዘዘኻኸረ ቢበሲ ካብ ሞንጎ እቶም ኣፍታ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት እቶም 63 ካናዳውያን ምንባሮም ኣፍሊጡ።


0