ኣብ ትግራይ ኣብ ግብሪ ዝፀንሐ ድንጋገ ህፁፅ ኣዋጅ ን3 ኣዋርሕ ተናዊሑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 01/08/2012)    ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ን15 መዓልቲ ኣብ ግብሪ ዝፀንሐ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ምክልኻልን ምግታእን ቫይረስ ኮሮና ን3 ኣዋርሐ ክናዋሕ ወሲኑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ነዚ ዘመሓላለፈ ” ድሕንነት ህዝቢ ካብ ተዛማቲ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምግታእን ” ከምዝኾነ እዩ ኣብቲ ዝተሳለጠ ህፁፅ ጉባኤ ተገሊፁ ዘሎ ።

ካብኔ ፈፃሚት ስራሕ መንግስቲ ትግራይ ካብ 17 መጋቢት 2012 ዓ.ም ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ን15 መዓልታት ዝፀንሕ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ኣዊጁ ኣብ ግብሪ ዝፀንሐ ን3 ኣዋርሕ ተናዊሑ ኣሎ።

እቲ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ኣብ ዝተረኸብሉን በቢከባቢኡ ዝርከቡ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ድማ በቢዞብኡ ኮይኖም ብቪድዮ ኮንፈረንስ ሕቶን ርኢቶን ዘቕረብሉ ጉባኤ ከምዝነበረን እቲ ምንዋሕ ድንጋገ እዋን ህፁፅ ጊዜ ብሙሉእ ድምፂ ከምዝፀደቐን ድሕሪ ምሕባር ሕጋዊ ኣፈፃፅማ ዝወፀ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ዝከታተል ሸዉዓተ ኣባላት ዝሓዘ መርማሪ ቦርድ ከምዝፀደቐ’ዉን ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ  ወ/ሮ ሊያ ካሳ ኣብ ዝዘርግሐኦ ፀብፃብ ሓቢረን።


0