ኣብ ተሽከርከርቲ መሳርሒ ቁፅፅር ገደብ ናህሪ ንምግጣም ኣመልኪቱ ዝተሰናደአ መምርሒ ናብ ተግባር ከምዝተሰጋገረ በዓል መዚ መጎዓዝያ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

(ኤፍኤምመቐለ  02/12/2011)እቲ መሳርሒ ኣብ ኩለን ተሽከርከርቲ ተግባራዊ ከምዝግበር እውን ገሊፁ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ዘፈር ድሕንነት መንገዲ እቲ በዓል መዚ ኣይተ ምትኩ ኣስማረ ከምዝበልዎ፥ ምኽኒያት ምውፃእ እቲ መምርሒ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ዝኸየድ ዘሎ ሓደጋ ትራፊክ ንምቁፅፃር እዩ።

ነዚ እውን ካብ ዝተፈቐደለን ዓቐን ናህሪ ንላዕሊ ንዝጓዓዛ ተሽከርከርቲ ንምቁፅፃር ዝዓለመ ከምዝኾነ ብምግላፅ እቲ መምርሒ ካብ ባሕቲ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ተሽከርከርቲ ምግጣም ከምዝተጀመረ ተዛሪቦም።

ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ግልጋሎት መጎዓዝያ ኣብ ዝህባ ተሽከርከርቲ ብቐዳምነት ዝግጠም ዘሎ እንትኸውን፥ ብቐፃሊ ድማ ኣብ ኩለን ተሽከርከርቲ ዝግጠም ከምዝኾነ ሓቢሮም ይብል ፀብፃብ ኤፍ ቢ ሲ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of