ኣብ ብዙሓት ከተማታት ምዕራብ ኦሮሚያ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ተቛሪፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  29/04/2012) ካብ መፈለምታ ናይዚ ሰሙን ጀሚሩ ኣብ ኣርባዕቲኦም ዞባታት ወለጋ ማለት’ውን ምዕራብን ምብራቕን ወለጋ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሆሮጉድሩን ቄለምን ወለጋ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ኣገልግሎት ሞባይል ስልኪን (ቴሌፎን) ተቛሪፁ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

         ኣብ ኣርባዕቲኦም ዞባታት ወለጋ፡ ማለት’ውን ምዕራብን ምብራቕን ወለጋ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ሆሮጉድሩን ቄለምን ወለጋ፡ ኢንተርኔት ምሉእ ንምሉእ ከምዝተቛረፀን ኣብ ምዕራብ ወለጋን ቄሌም ወለጋን ድማ፡ ኢንተርኔትን ኣገልግሎት ሞባይል ስልኪን ተቛሪፁ ከምዘሎ ቢቢሲ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ ፀብፂቡ።

        ብመንግስቲ ዝመሓደር ኢትዮ ቴሌኮም ብዛዕባ ምቁራፅ እቲ ኣገልግሎት ዝኾነ ይኹን ዝሃቦ  መግለፂ ከምዘየለ ዝሓበረ ቢቢሲ እቲ ኸባብታት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዕጡቓት ዝንቀሳቐሱሉን ብዙሕ ግዜ ጎንፅታት ዝረኣየሉን ብምዃኑ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ኮማንድ ፖስት (ሓይሊ ዕማም) ዝመሓደር ምዃኑ ኣነፂሩ፡፡

         እቲ ኣገልግሎት ዝተቛረፀሉ ከባብታት ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝተፈንጨሉ ዕጡቓት ዝንቀሳቐስሉ ከምዝኾነን መንግስቲ ኣብቲ ከባብታት ኣብ ዘካይዶም ወተሃደራዊ ስርሒታት ልዕሊ ዓቐን ሓይሊ   ኸምዝጥቀም ሓቢሮም፡፡

       ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓትን ቀፃሊ ውግኣት ከምዝካየድ ዝግለፅ እኳ እንተኾነ መንግስቲ ግን ዝሃቦ ዕላዊ መግለፂ የለን።

         ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ኢትዮ ቴሌኮም ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ እቲ ኣገልግሎት ናይ ምቁራፅ ውሳነ ብደረጃ ሃገር ዝወረደ መምርሒ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።


0