ኣብ ብዓል ጥምቀት ከተማ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ወገናት ጉድኣት በፂሑ፡፡

  (ኤፍኤምመቐለ  11/05/2012) ኣብ ብዓል ጥምቀት ከተማ ጎንደር ንዕዱማት ዝተዳለወ ርብራብ ኮፍ መበሊ ኣእዋም ብምንሽርታቱ ኣብ ልዕሊ 100 ወገናት ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት በፂሑ፡፡

      ብሰንኪ እቲ ዝተንሸራተተ ርብራብ ኣእዋም 2 ዜጋታት ወፃኢ ዝርከብዎም ቀሊልን ከቢድን መጉዳእቲ ከምዝበፅሐን ብሰንኪ እቲ ምንሽርታት ኣእዋም ሂወቶም ዝሰኣኑ ወገናት ከምዘለዉ ፋና ፀብፂቡ፡፡


0