ኣብ ብሕማም ኢቦላ ዝተትሓዙ ሰባት ዝተፈተነ መድሓኒት 90 ሚኢታዊ ውፅኢታውነቱ ተረጋጊፁ ኢሎም ተመራመርቲ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  07/12/2011) ኣብ ሕማም ኢቦላ ምርምር እንዳገበሩ ዝፀንሑ ጉጅለ ተመራመርቲ ዝበፅሕዎ ውፅኢት ዕላዊ ዝገበሩ እንትኾኑ ፣እቲ ጉጅለ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ኣርባዕተ ዓይነት ዝተፈላለዩ ኣፋውሳት ኣብ በቲ ቫይረስ ዝተጠቅዑ ዜጋታት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ፈተነ ክገብር ፀኒሑ እዩ፡፡

ተመራመርቲ እቲ ጉጅለ ፣ ብመሰረት ዝተገበረ ፈተነ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ምልክታት ካብ ዝረኣየሉ እዋናት ብቁልጡፍ እቲ መድሓኒት ክርኽቡ እንተኺኢሎም 90 ሚኢታዊ ናይ ምድሓን ዕድል ኣለዎም ኢሎም፡፡

ከም ገለፃ እቲ ጉጅለ ምርምር ኣር ኢ ጂ ኤን-ኤቢ ንኤም ኤቢ114 ዝተበሃለ መድሓኒት እቲ ቫይረስ ካብ ህዋሳት ሰውነት ናይ ምጥፋእ ዓቕሚ እንትህልዎም ዜድማን ሬሞዲሊቨር ዝተበሃሉ መድሓኒታት ድማ ብመጠኑ እቲ ቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

እዞም ኣፋውስ ሕማም ኢቦላ ብስፍሓት ኣብ ዝረኣየላ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ልዕሊ 700 ሰባት ዝተፈተነ እንትኸውን ክሳብ ሕዚ ናይ 499 ሰባት ውፅኢት ዕላዊ ከምዝኾነ ተገሊፁ እዩ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of