ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ፅሕፈት ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ግዮርጊስ መቐለ ንነዳያን ሓጊዛ ፡፡

ኣብ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤት ፅሕፈት ሰበኻ ጉባኤ ቅዱስ ግዮርጊስ መቐለ ግምቱ 45 ሽሕ ብር ዝኾነ ናዉቲ ፅሬትን ሃለኽቲ ምግብን 43 ኣረጋዉያን ዝርከብዎም ን163 ነዳያን ሓጊዛ ፡፡

ብመሰረት እዚ ን43 ኣረጋዉያን ንነፍስወከፎም 350 ብር ጥረ ገንዘብ፤ ናዉቲ ፅሬትን ሃለኽቲ ምግብን ነቶም ዝተረፉ 120 ነዳያን ክኣ ናዉቲ ፅሬትን ሃለኽቲ ምግብን ከምዝሓገዘት መሰራሕትና ጋዜጠኛ ትብለፅ መዓሾ ፀብፂባ፡፡


0