ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ.ም ናብ ወፃኢ ዓዲ ሰደድ ካብ ዝተገበሩ ቡንን እኽሊ ቅብኣትን ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊዮን ዶላር ኣሜሪካ ሸርፊ ወፃኢ ከምዝተረኸበ ሚኒስቴር ንግዲ ኣፍሊጡ።

(ኤፍኤምመቐለ  19/11/2011)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስተር ንግዲ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ፣ ሎም ዘበን ፍሪያታት ቡን፣  ፃዕዳ ኣዳጉራ፣ ሰሊጥን ሰበረን ናብ ወፃኢ ዓዲ ሰደድ ተገይሩ እዩ ኢሎም።

ካብቲ ንወፃኢ ዓዲ ሰደድ ዝተገበረ፣ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሸርፊ ወፃኢ ተረኺቡ።

ይኹን እምበር እቶም ፍርያታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምሽማትን ኮነ ተባሂሉ ብምኽዛንን እዛ ሃገር ክትረኽቦ እትኽእል ሸርፊ ወፃኢ ዝጎድኡ ኣካላት ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ነቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝንቀሳቐሱን ናብ ወፃኢ ዓዲ ዝልእኹን ኣካላት ሕጋዊን ፍቓድ ንግዶም ክሳብ ምስራዝ ዝበፅሕ ስጉምቲን ንምውሳድን ዘኽእል ተግባር ክፍፀም እዩ።

ካብ 1 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ናብ ወፃኢ ዓዲ ምስ ዝልእኹ ኣካላት ምምሕዳር ውዕሊ ከምዝጅመር እውን ተዛሪቦም።

ንግዲ ወፃኢ ንምምዕባል ዘኽእሉ ስራሕቲ ኦዲትን ቁፅፅርን እውን ተጣናኺሮም ክቕፅሉ እዮም ኢሎም ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of