ኣብ ቀረብ ቆፃርን ምቁርራፅ ሓይሊ ኤለክትሪክን ዘሎ ፀገም ንምቕራፍ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ሓይሊ መብራህቲ ጨንፈር ትግራይ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  22/12/2011)ኣብ ሙሉእ ከባቢታት ትግራይ ሕፅረት ቆፃርን ምቁርራፅ ሓይሊ ኤለክትሪክን እናጋጠመ ኣብ ዕለታዊ ናብራ ሕብረተሰብን ትካላት ንግድን ፀገም ይፈጥር ከም ዘሎ ተገሊፁ፡፡

እዚይ ፀገም ንምፍታሕ ምሕዳስ ዝኣረጉ መስመራትን ቀለልቲ ፅገናታት እናተገበረ እቲ ፀገም ንምንካይ ዕለታዊ ስራሕ ተገይሩ ይስራሕ ኣሎ ክብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ሓይሊ መብራህቲ ጨንፈር ትግራይ ግልጋሎት ዓማዊል፣ መሸጣን ጥርዓን ሰማዕን  ኣይተ ሰረት ገ/ኪዳን ገሊፆም፡፡

ኣብ ሕፅረት ቆፃርን ትራንስፎርመርን ተኣሳሲሩ ብርክት ዝበሉ ዓማዊል ቅርሺ ከፊሎም ኣብ ምፅባይ ከም ዝርከቡ ዝገለፁ ኣይተ ሰረት፣ ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ.ም 77ሽሕ ሓደሽቲ ቆፀርቲ ንምዕዳል ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

ኣቕርቦት ኬብል ብተመሳሳሊ ንምፍታሕ 800 ሽሕ ሜትር ኬብል ዕድጊት ከም ዝተፈፀመን እዙይ ድማ ንልዕሊ 32 ሽሕ ናይ ገዛ ቆፀርቲ ዝሽፍን እንትኸውን ብዉሱን መልክዑ ኣብ ቆፃሪ ዝነበረ ፀገም ክፍታሕ ከም ዝኽእል ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ኣብ ትግራይ ሓደ ትራንስፎርመር ዝፅግን ፋብሪካ ብወፃእተኛታት ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ብምጥያሹ ዓብይ መፍትሒ ኮይኑ ከም ዘሎ ተዛሪቦም ይብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of