ኣብ ሰሙን 2 መዓልታት ዝነበረ ምዝገባ ዓርሰ ሓገዝ ህንፀት ኣባይቲ ካብ ሶኒ ክሳብ ቀዳም ን6 መዓልታት ከምዝወሃብ ቢሮ ፍትሒ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ፡፡

መንግስቲ ክልል ትግራይ ምዝገባ ዓርሰ ሓገዝ ህንፀት ኣባይቲ ኣብ 12 ከተማታት ክቕፅል ንዘውፅኦ መምርሒ ስዒቡ ድሌት ተመዝገብቲን ከይዲ ምዝገባን ክጠዓዓም ብዘይምኽኣሉ ቢሮ ፍትሒ ተወሰኽቲ ዓቀብቲ ሕጊ ካብ ወረዳታት ብምምፃእ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ንምሃብ እዋን ምዝገባ ምምሕያሹ ገሊፁ፡፡
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ዝነበረ ምዝገባ ብዜካ ሰንበት ሰሙን ሙሉእ ዝወሃብ እንትኾን ኣብ ሰሙን ሰለስተ መዓልቲ ዝወሃብ ዝነበረ ምርግጋፅ ሰነዳት ድማ ኣብ ሰሩዕ ሰዓት ስራሕ ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ከምዝወሃብ ቢሮ ፍትሒ ገሊፁ፡፡
ማሕበራዊ ቁፅሪ ተራ ተመሓይሹ ብምህላው ቁፅሪ ናብ ዝሓዝሉ መመዝገቢ ብምኻድ ሓድሽ ተርኦም ክወስዱ እውን ኣተሓሳሲቡ፡፡
በቲ ሓድሽ ተራ ኣብ ክልል ቢሮ ፍትሒ ካብ 9 ሚያዝያ ኣብ ክፍላተ ከተማታት ድማ ካብ 10 ሚያዝያ ምዝገባ ከምዝጅመር ቢሮ ፍትሒ ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመላኽት፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of