ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ንኣዋርሕ ተዓፅዩ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ቴሌኮም ክኽፈት’ዩ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ22/07/2012)መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ከባብታት ምዕራብ ኦሮሚያ ንኣዋርሕ ተቛሪፅዎ ንዝፀንሐ ኣገልግሎታት ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ክኸፍቶ ከምዝወሰነ ተገሊፁ።

ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብቲ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዑደት ክገብሩ ዝቐነዩ ኮይኖም ሎሚ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣብዝሃብዎ መግለፂ  እቲ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎታት ቴለፎን ካብ ሎሚ ጀሚሩ ክኽፈት ከምዝተወሰነ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኦሮሞ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ካብ ዝኸፍት ኣትሒዙ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ቴሌፎንን ተቛሪፁ ፀኒሑ’ዩ፡፡

ንመሰላት ደቂ ሰባት ዝሕለቑ ትካላትን ውልቀሰባትን ምዕፃው ኣገልግሎታት ቴለኮም ህዝቢ እቲ ኸባቢ ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና መልእኽቲ ከይበፅሖ ዝዓግት ብምዃኑ ንምኽፋቱ ክጉስጉሱ ፀኒሖም እዮም ከም ፀብፃብ ቢቢሲ።


0