ኣብ ምክልኻልን ምግታእን ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ክልልና ኣብ መናእሰይ ዝረአ ዘሎ ሸለልትነት ተወሳኺ ገዛ ዕዮ ኮይኑ ከምዘሎ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ሎምዓንቲ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ጉዳይ ኣተገባብራ ህፁፅ ድንጋገ ምክልኻልን ምግታእን ቫይረስ ኮሮና ክልልናን ግብራዊ ተርእዮታትን ኣድሂበን ንምዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝሓበረኦ  መንግስቲ ክልል ትግራይ ንምክልኻልን ንምግታእን ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ኣድሂቡ ዝደንገጎም ህፁፅ ኣዋጅ ኣብ ትግባርኡ ድሓን ዝበሃል’ኳ እንተኾነ ኣብ መናእሰይ ዝረአ ዘሎ ሸለልትነትን ምዉዛይን ግን ብኣግኡ ኣደብ ንምትሓዝን ንምዕራይን ማዕከናት ዜና ትግራይ ትኹረት ሂበን ክሰርሓሉ ዝግባእ ዋኒን ከምዝኾነ ኣፍሊጠን

        ማዕከናት ዜና መንግስቲ ክልል ትግራይ ንምክልኻልን ንምግታእን ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ኣድሂቡ ንዝደንገጎም ህፁፅ ኣዋጅ ህዝቢ ጉቡእ ንቕሓተ ሕልንኡ ንኸበርኽ ዘካይደኦ ዘለዋ ምንቅስቓስ ፅቡቕ እኳ እንተኾነ ናብ ወረዳታት ብምንቅስቓስ ዝግበር ዘሎ ስራሕ ኣብ ምቅላሕ ግን ዝሕቱል ከምዝኾነ ሓቢረን፡፡

         ስለ ዝኾነ’ዉን ንዘለዉና እወንታዊ ምንቅስቓስ ብምዕቃብ ብፍላይ ኣፍቲ ሸለልትነትን ምዉዛይን ዘርኢ ዘሎ መንእሰይ ብደቂቑ ክስራሕ ከምዘሎዎ ዝሓበራ ወ/ሮ ሊያ ካሳ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ብመንግስትን ሰብ ሞያ ጥዕና ንዝበሃሉን ዝወርዱ መደባትን ከምኡ’ዉን ንዝተደንገጉ ሕግታት ከተግብርን ኣተሓሳሲበን ክብል መሳርሕትና ጋዜጠኛ መርሃዊ ተስፋይ ፀብፂቡ፡፡


0