ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ሕማም ቺኩንጉንያ ንምክልኻል ይስራሕ ከምዘሎ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  07/12/2011) ቢሮ ሓለዋ ጥዕና እታ ከተማ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ክሳብ ሕዚ ቺኩምንጉንያ ዝተበሃለ ሕማም ኣብ 3 ሽሕን 756 ሰባት ከምዝተርኣየ ገሊፁ፡፡

ኮይኑ ግና እቲ ሕማም ምስ ዓሶን ካልኦት ሕማማትን ተመሳሳሊ ስለዝኾነ ኩሎም በዚ ሕማም ዝተትሓዙ ምኻኖም ሙሉእ ብሙሉእ ከምዘይተረጋፀ ተሓቢሩ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ከተማ ድሬዳዋ ዶክተር ፋኣድ ከድር ከምዝገለፅዎ ኣብ 10 ሰባት ኣብ ዝተገበረ ምርምር ኣብቶም 4 ቺኩንጉንያ ሕማም ምዃኖም እቲ ሕማም ብለበዳ መልክዕ ከም ዝተለዓለ ገሊፆም፡፡

ምስዚ ሕማም ተኣሳሲሩ ዝሞተ ሰብ ከምዘየለ ዝተገለፀ ኾይኑ ሕማም ቺኩንጉንያ ኤዲል ብዝተበሃለት ነፍሳት ዝመሓላለፍ ምዃኑ ዶክተር ፋኣድ ገሊፆም፡፡

ፍሉይ ምልክታት እታ ከቲ ሕማም ልዑል ረስኒ ፣ቅርጥማትን ዝኣምሰሉ ምኻኖም ዝተገለፀ ኾይኑ እዚ ምልክት ዝተርኣዮ ሰብ ብቕልጡፍ ናብ ቐረብኡ ዝርከብ ግልጋሎት ጥዕና ክኸድ ይግባእ ተባሂሉ፡፡

እዚ ሕማም ንምክልኻል ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ልዕሊ 179 ሽሕ ዛንዜራ ኣብ ከተማን ገጠርን ክዝርጋሕ ተገይሩ ተባሂሉ ይብል ፀብፃበ ኤፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of