ኣብ ማሊ ነንባዕለን ዝተላተማ ሄሊኮፕተራት ፈረንሳይ ንሞት 13 ወተሃደራት እታ ሃገር ምኽንያት ኮይነን፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  17/03/2012)ኣብ ልዕሊ እስላማውያን ዕጡቓት ማሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ኣብታ ሃገር ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ፈረንሳይ ብሶኒ ምሸት ኣብ ልዕሊ ትሕዝቶ እቶም ዕጡቓት መጥቃዕቲ እናፈፀሙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እየን እተን ሄሊኮፕተራት ተላቲመን ዘለዋ፡፡

በቲ ሓደጋ ሂወት 13 ወተሃደራት ፈረንሳይ ከም ዝሓለፈ ዘረጋገፁ ፕረዝደንት እታ ሃገር ኡማኒኤል ማክሮን ዝተሰምዖም ሓዘን ድሕሪ እቲ ሓደጋ ካብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዘውፅዎ መግለፂ ኣመሓላሊፎም፡፡ ሰሜናዊ ማሊ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እስላማውያን ዕጡቓት ክወድቕ ድሕሪ ምጅማሩ ኣብ 2013 ምጅማሩ ኣብ 2013 ናብታ ሃገር ሰራዊት ክተኣቱ ዝጀመረት ፈረንሳይ ኣብዚ እዋን ንሃገራት ማሊ፣ ሞሪታንያ ፣ኒጀር ቡርኪኖፋሶን ቻድን ዝሕግዝ 4 ሽሕን 500 ወተሃደራት ኣብቲ ከባቢ መዲባ ኣላ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of