ኣብ መዐሸጊ ጀላቡ ሑቡራት ኣመሪካ ዝተወለዐ ባርዕ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም ፡፡

ኣብ ሃገረ ሑቡራት ኣመሪካ ግዝኣት ኣላባማ  ከተማ ስኮትስቦሮ- ጀላቡ ኣብ ዝዓርፋሉ ገማግም ባሕሪ ብዝተልዓለ ሓዊ ብውሑድ ሸሞንተ ሰባት ከምዝሞቱን 35 ጀላቡ ከምዝተቓፀላን ሰብ መዚ እታ ሃገር ተኣሚኖም ከምዘለዉን በቲ ቀልጢፉ ዝተዛመተ ባርዕ ሓዊ መዐሸጊ እተን ጀላቡ ፈሪሱ ኣብ መዐሸጊ ዝነበራ ጀላቡ ድሕሪ ምቅፃለን ከምዝጠሓላ ቢቢሲ ፀብፂቡ።ካብቲ ባርዕ ሓዊ ሃዲሞም ናብ ማይ ዝኣተዉ ሸውዓተ ሰባት ምድሓን ከምዝተኽኣለን ዛጊድ ጠንቂ መልዐሊ እቲ ባርዕ ከምዘይተፈልጠ ዝሓበረ ቢቢሲ  መጠን እቲ ሓደጋ ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ተገሊፁ’ሎ።


0