ኣብ ሓፈሻዊ መረፃ እስራኤል ውድብ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘለው ቀዳማይ ሚኒስተር ቢንያሚን ኔታንያ ዝኾነ ሊኩይድ ፖርቲ ጥሙር መንግስቲ ክምስረት ዘኽእል ድምፂ ረኺቡ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/2011) ዕላዊ ኣብ ዝኾነ መረፃ እታ ሃገር ሊኪይድ ፖርቲ 35 ወናብር እንትረክብ ቀንዲ ተነሓናሒኡ ብሉ ኢንድ ሁዋይት ተመሳሳሊ ወናብር ረኺቡ እዩ፡፡

ዋላ እኳ ዝኾነ ይኹን ውድብ ዝሓሸ ድምፂ ኣይርከብ ውድብ ኔታንያሁ ጥሙር መንግስቲ ክምስርቱ ዘኽእል ውፅኢት ረኺቦም ኣለው፡፡

120 ወናብር ዘለዎ ኔሴት ተበሃለ ፖርላማ እስራኤል ሊኪይድ ፖርቲ ምስ ብሓሳብ ዝድግፍዎ ውድባት ተጃሚሉ ወናኒ 65 ወናብር ኾይኑ ኣሎ፡፡

ውፅኢት መረፃ እስራኤል ቀዳማይ ሚኒስተር  ቤንያሚን ኔታንያሁ ንሓምሻይ ዙር ነታ ሃገር ክመርሑ ዘኽእል እዩ ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of