ኣብ ህንዲ ሓያል ዝናብ ዘስዓቦ ምፈራስ ህንፃ ንሕልፈት ሂወት 27 ሰባት ምኽንያት ኾይኑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ 25/10/2011)ኣብ ህንዲ ብምኽንያት ሓያል ዝናብ ዝተፈጠረ ምፍራስ ህንፃ ሂወት 27 ሰባት ዘቐጠፈ እንትኸውን እዚ ሓደጋ ዝተፈጠረ ኣብ ከተማ ሙምባይን ኣብ ቀረባኣ ዝርከባ ኣናእሽተይ ከተማን እዩ፡፡

ብምኽንያት እቲ ዝናብ ብርክት ዝበሉ መንበሪ ገዛውቲ ፣ወሃብቲ ግልጋሎትን ቤት ትምህርታትን ዝፈረሱ እንትኾኑ እዚ ድማ ካብ ምሕላፍ ሂወት እቶም ዜጋታት ብተወሳኺ ብዙሓት ቤት ዕዮ፣ ትካላት ወሃብቲ ግልጋሎትን ቤት ትምህርታትን ክዕፀዋ ገይሩ እዩ፡፡

ትንበያ ኩነታት ኣየር እታ ሃገር ከምዘርኣዮ ድሕሪ እዚ እውን ኣብታ ሃገር መሰል ዓይነት ሓያል ዝናብ ክዘንብ ከምዝኽእል ሰብ መዚ እታ ሃገር ዜጋታቶም ሕዚ ኣብ ዘለውሉ ንኽወፅኡ እናጠየቑ ይርከቡ፡፡

ኣብ ህንዲ ካብ ወርሒ ሰነ ክሳብ መስከረም ኣብ ዘለው እዋናት ሓያል ዝናብ ዝዘንበሉ ወቕቲ ብምዃኑ ካምዚ ዓይነት ሓደጋታት ተደጋጋሚ ከም ዝፍጠር ዝንገር እንትኸውን ነዚ ኣብነት ዝኸውን ድማ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን ኣብ ከተማ ሙምባይ ብዝዘነበ ሓያል ዝናብ ንሕልፈት ሂወት 500 ሰባት ምኽንያት ከምዝኾነ ይዝከር ይብል ፀብፃብ ሮይተርስ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of