ኣብ ሃገረ ጣልያን ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ብቫይረስ ኮሮና 662 ሰባት ሞይቶም፡፡

(ኤፍኤምመቐለ18/07/2012)ብሰንኪ ዝርግሐ ቫይረስ ኮሮና ዝኸፍአ ህልቂት ህዝባ ከተተኣናግድ ተጊዲዳ ዘላ ሃገረ ጣልያን ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ን662 ግዳያት ዜጋታታ ስነ ስርዓት ቀብሮም ፈፂማ፡፡

ሃገረ ጣልያን ን662 ብረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ተለኺፎም ዝነበሩን ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልዮም ዘለዉን ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ኮይኑ እዚይ እዉን ብኣቆፃፅራ ኣዉሮጳዉያን ክሳብ ትማሊ ምሸት ሰዓት 8 ምዃኑ ቢቢሺ ፀብፂቡ፡፡

ዛጊድ 8,165 ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ብሞት ዝተመንዘዐትን 80,539 ዜጋታታ ብረኽሲ እቲ ቫይረስ  ሕክምናዊ ሓገዝ ይግበሮም ከምዘሎን ዝሓበረ ቢቢሲ እዚ ቫይረስ እዚ ንመራሕቲ መንግስቲ እታ ሃገር ርእሲ ሕማም ኮይንዎም ከምዘሎን ወሲኺ ሓቢሩ፡፡


0