ኣብ ሃገረ ቻይና ቁፅሪ ብኮረና ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት 80 በፂሑ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  18/05/2012)ኣብ ቻይና ይዛመት ብዘሎ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ቁፅሪ መወትቲ 80 ከምዝበፅሐን በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ኣስታት 3 ሽሕ ድማ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉን መንግስቲ ቻይና ንዚ  ሕማም ንምቁፅፃር ኣከባብራ ሓዱሽ ዓመታ ብሰለስተ መዓልቲ ኣናዊሓቶ ከምዘላ ቢቢሲ ኣፍሊጡ።

         ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሊ ከኪያንግ –  እቲ ቫይረስ ፈለማ ንዝተርኣየላ ርእሰ ከተማ ግዝኣት ሄቢ ዝኾነት ዉሃን ዑደት ከምዝገበሩ ዝሓበረ ቢቢሲ ኣብ ግዝኣት ሄቢ ቁፅሪ መወትቲ ካብ 56 ናብ 76 ከምዝዓበየን  ኣብ ካልኦት ከባቢታት ድማ 4 ሰባት ከምዝሞቱን ወሲኹ ገሊፁ።

         ኣብዚ ሐዚ እዋን ንከተማ ዉሃን ምጋሽ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተኸልከለን ዛጊድ 2744 ሰባት በቲ ሕማም ምልካፎም ከምዝተረጋገፀን እቶም 300 ሰባት ብፅኑዕ ሓሚሞም ከምዘለዉን ንማዕኸን ዜና እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ፀብፂቡ።


0