ኣብዚ ዓመት ኣብ ክልልና ልዕሊ 234 ሽሕ ተመሃሮ ሃገራውን ክልላውን ፈተና ከምዝወስዱ ተሓቢሩ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/2011) ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2011 ዓ/ም ንዝወሃብ ሃገራውን ክልላውን ፈተና ዛጊድ ብደረጃ ክልል ከይዲ ምድላው ፈተና ፣ምልመላ ዘድሊ ሓይሊ ሰብ፣ ምዝገባ ተፈተኒ ተመሃሮን ካልኦት ምድላዋትን ከምዝተወገኑን ልዕሊ 234 ሽሕ ተመሃሮ ሃገራውን ክልላውን ፈተና ከምዝወሰዱን ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ንፈተና ካብ ዝቐረቡ 123 ሽሕን 807 ተመሃሮ ሻምናይ ክፍሊ 89 ሽሕን 922 ተመሃሮ ዓሰራይ እንኾኑ 21  ሽሕን 180 ተመሃሮ ዓሰርተ ክልተ ክፍሊ ከምዝኾኑ ብምሕባር ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2011 ዓ/ም ንፈተና ዝተዳለው ቁፅሪ ተፈተንቲ ተመሃሮ ምስ ሕሉፍ ዓመት ግን ከምዝነከየ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዳሬክተር ምዘና ትምህርትን ፈተናታትን ኣይተ ክንፈ ፍስሃ ኣረዲኦም፡፡

ሃገራውን ክልላውን ፈተና ዓስራይ ክፍሊ ካብ 21  ክሳብ 23 ጉንበት  ዓሰርተ ክልተን ካብ 26 ክሳብ 30 ጉንበት 2011 ዓ/ም እንትኾን ሻምናይ ክፍሊ ድማ ካብ 5 ክሳብ 7 ሰነ 2011 ዓ/ም ከምዝኾነ ዳሬክተር ምዘና ትምህርትን ብሄራዊ ፈተናታትን ኣይተ ክንፈ ፍስሃ ኣዘኻኺሮም ይብል ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ዝተልኣኸልና ሓበሬታ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of