ኣብዚ ተታሒዙ ዘሎ በጀት ዓመት 3 ፖርክታት ኢንድሰትሪ ፍርያቶም ናብ ሃገራት ወፃኢ ምልኣኽ ከምዝጅምሩ ኮርፕሬት ኮምኒኬሽን ፖርክታት ኢንድስትሪ ሃገርና ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

ሓላፊ ኮርፕሬት ኮሚኒኬሽን ፖርክታት ኢንድስትሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ደርቤ ደበሌ ከም ዝበልዎ ሎም ዘበን ፖርክታት ኢንድስትሪ ጅማ፣ ድሬዳዋን ባህርዳርን ፍርያቶም ናብ ሃገራት ወፃኢ ምልኣኸ ከምዝጅምሩ ድሕሪ ምሕባር ቅድሚ ሕዚ ፍርያቶም ናብ ሃገራት ወፃኢ ይልእኹ ምስ ዝነበሩ 5 ፖርክታት ኢንድስትሪ ቁፅሮም ናብ 8 ከምዝበረኸ ሓቢሮም፡፡

       ብመሰረት’ዚ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ካብ ፖርክታት ኢንድስትሪ እዛ ሃገር ዝርከብ ኣታዊ 220 ሚሊዮን ዶላር ክብ ንምባል ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ኣይተ ደርቤ ሓቢሮም፡፡

       እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣብ ፖርክታት ኢንድስትሪ እዛ ሃገር ዘሎ ሕፅርት ሓይሊ መብራህቲ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ውልቀ ዘፈራት ሓይሊ ንኸቕርቡ ዘኽእልን ካብ ፀሓይን ንፋሰን ተወሳኺ ሓይሊ ክረኽቡሉ ዘኽእል መፅናዕቲ ከምዝተጀመረ’ውን እቲ ኮርፕሬሽን ሓቢሩ ኣሎ፡፡

ክሳብ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ፖርክታት ኢንድስትሪ ተሃኒፆም ናብ ስራሕ ካብ ሞንጎ ዝኣተው ልዕሊ 55 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ተገሊፁ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of