ኣባል ጋንታ ኣትሌቲክስ ትራንስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ኣባዲ ሓዲስ ብሃንደበታዊ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልዩ ፡፡

ኣትሌት ኣባዲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 1989 ዓ/ም ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ማይጨው ከምዝተወለደን ብሰንኪ ሃንደነበታዊ ሕማም ትማሊ ከምዝዓረፈ ተገሊፁ፡፡ ኣትሌት ኣባዲ ሃዲስ ንሃገሩን ክልሉን ኣዝዩ ተስፋ ዝተነበረሉ ኣትሌት ከምዝነበረን ፅባሕ ኣብ ትዉልዲ ቦትኡ ከተማ ሞኾኒ ላዕለዎት ሰብ መዚ ፈደሬሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያን ኣብ ዝተረኸቡሉ ስነ ስርዓት ቀብሩ ከምዝፍፀም ተፈሊጡሎ፡፡


0