ኣባል ሃገራት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትፅቢት ዝግበረለን ክፍሊት ተዘይፈፀመን ኣብ ቀፃሊ ወርሒ ንሰራሕተኛታት እቲ ውድብ ዝኽፈል መሃያ የብልናን ኢሎም ዋና ፀሓፊ ኣንተንዮ ጉተሬዝ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  28/01/2012)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተሬዝ ኣብ ኮሚቴ በጀት ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ውድብ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ቆጣቢ ወፃኢ ኣካይዳ ተዘይትግበር ዝሓለፈ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ከነተኣናግድ ኣይንኽእልን ኢሎም፡፡

ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ካብ ዘጋጠመ ሕፅረት ገንዘብ ዝኸፍኣ ብርኪ በፂሕና ኣለና ዝበሉ ኣንተንዮ ጉተሬዝ ብዘይገንዘብ ቀፃሊ ወርሒ ክንኣትዎ ንኽእል ኢና ክብሉ ስግኣቶም ገሊፆም፡፡

ዝዓበየ በጀት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትሽፍን ኣሜሪካ 674 ሚሊዮን ዶላር ከምትሽፍን ኣፍሊጣ እያ ይብል ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of