ኣሜሪካ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከቡ ምዕራባውያን ዝተሓሰበ ጥሉል መጥቃዕቲ ፅንፈኛታት ከም ዘሎ ብምግላፅ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ዜጋታታ ኣጠንቂቓ ፡፡

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ኣልሸባብ ብዝፈፀሞ መጥቃዕቲ 21 ሰባት እንተቕተሉ ድሒሩ ድማ ዜጋ ብሪታንያ ዝርከቦም 19  ኬንያውያን ተዓጊቶም ከም ዝተቐተሉ ይዝከር ፡፡

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዘውፆ ሓበሬታ  ኣብ ከተማታት ናይሮቢ ፣ ናቫሻ ፣ ናንዩኪ ፣ ወደባዊ ከባብታትን በፃሕቲ ዓዲ ኣብ ዘዝውትሩሉ ከባብታትን ኬንያ መጥቃዕቲ ክፍፀም ከም ዝክእል ዘመላክት ጥሉል ሓበሬታ ምርካቡ የመላክት ፡፡

እቲ ኤምባሲ ዜጋታቱ ህዝቢ ናብ ዝበዝሐሎም ከባብታት ብፍላይ ማእከላት ዕዳጋ ፣ ሆቴላትን ኣብያተ ኣምልኮን ካብ ምካድ ክቁጠቡ ከም ዘለዎም ኣጠንቂቑ ፡፡

መንግስቲ ብሪታንያ ብወገኑ ዜጋታቱ ኣብ ኣዋሳን ሶማልያን ኬንያን ወደባዊ ከባብታትን ካብ ምንቅስቓስ ክቑጠቡ ኣጠንቂቑ ይብል ፀብፃብ ኣልጀዚራ  ፡፡

28/05/2011


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of