ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ዕዮ ሚኒስተራትን ሰብ መዚን ቱርኪ ማዕቖብ ኣንቢራ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  04/02/2012)እቲ ማዕቖብ ቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ንትፍፅሞ ዘላ መጥቃዕቲ ዝሰዓበ እዩ፡፡

እቲ ማዕቐብ ንሚኒስተራት ምክልኻል ሃገርን ኢነርጂን ቱርኪ ከምኡ እውን ንሰለስተ ላዕለዎት ሰብ መዚ ዘነፃፀረ እዩ፡፡

ከም ኣገላልፃ ምክትል ፕረዝደንት ኣሜሪካ ማይክ ፔንስ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲብ ጠይብ ኤርዶጋን ደዊሎም ብህፁፅ ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝጀመርዎ ወፍሪ ከቋርፁ ብስልኪ ከምዘነጋገርዎም ገሊፆም፡፡

ማይክ ፔንስ ብዝተኸኣለ መጠን ኣብ ሓፂር እዋን ኣብቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ናብቲ ዞባ ከምዘምርሑ እውን ገሊፆም፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ሶርያ ዝነበራ ሰራዊት ምውፃኣ ስዒቡ ነቲ ብቱርኪ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ደጊፋቶ እያ ብምባል ክትነቅፍ ፀኒሓ እያ ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of