ኣሜሪካ ሕማቕ ተግባራት ንምፍፃም ዝተፀመደት እያ ኢላ ሰሜን ኮርያ፡

(ኤፍኤምመቐለ 27/10/2011)ነዚ ዝገለፀት ሰሜን ኮርያ ክልቲኤን ሃገራት ኣቋሪፀንኦ ዝነበራ ዘተ ስምምዕነት ኣፅዋር ኒውክለር ንምቕፃል ስምምዕነት ድሕሪ ምብፅሓን እዩ፡፡

ዋሽንግተን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ልሳነ ምድሪ ኮርያ ዘሎ ኩነታት ሰላም ዝግባእ ቆላሕታ ዘይምሃባ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ልኡኽ ሰሜን ኮርያ ትማሊ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ኣሜሪካ ንማዕቐብ ልዑል ቆላሕታ ከምዘለዋ ዝገለፀ እቲ ልኡኽ ሰሜን ኮርያ ዝተፃረየ ነዳዲ ካብ ወፃኢ ንከይተኣቱ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፖውያን 2017 ንዝተነበረላ ማዕቐብ ዝተተሓሓዘ ኽሲ እናቕረበት ከምዘላ እውን ኣዘኻኺራ፡፡

ብኣሜሪካ ፣ፈረንሳይ ጀርመንን ብሪታንያን ኣብ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ተወሳኺ ማዕቐብ ንምንባር ንኣባል ውድብ ሕቡራት መንግስታት ደብዳበ ከም ዝተፀሓፈ እውን እቲ ልኡኽ ገሊፁ፡፡

ኣብ ቐረባ እዋን ደቡብ ኮርያን ሰሜን ኮርያን ኣፅዋር ሒዘን ንከይንቀሳቐስሉ ገደብ ኣብ ዝተነበረሉ መዋሰኒ ዶብ ክልቲኤን ሃገራት ፕረዝደነት ዶናልድ ትራምፕን ፕረዝደንት ኪም ጆንግ ኣንን ምርኻቦም ይዝከር፡፡

ብመሰረት እዚ እውን ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተቋሪፁ ዝነበረ ስምምዕነት ዘተ ኣፅዋር ኒውክለር ንምቕፃልን ነዚ ጉዳይ ዝከታተል ጉጅለ ንምጥያሽን ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሓ እውን ተገሊፁ፡፡

ኾይኑ ግና ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሰሜን ኮርያ ዝወፀ ሓበሬታት ከም ዘመላኽትዎ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ምስሕሓብ ክነገስ እዩ ተባሂሉ ይብል ፀብፃብ ቢቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of