ኣመሪካ ምስ ኢራን ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ክትላዘብ ከምትደሊ ኣፍሊጣ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  30/04/2012)ኣመሪካ ዕቱብ ልዝብ ክትገብር ድልውቲ ከምዝኾነት ኣፍሊጣ ዘላ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ ምዃኑ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡         እቲ ብመንገዲ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ባይቶ ፀጥታ ዝተፀሓፈ ደብዳቤ “ዓለምለኻዊ ሰላምን ፀጥታን ናብ ሓደጋ ከይኣቱን ስርዓት ኢራን ነቲ ኩነታት ከየጋድዶን ኣሜሪካ ምስ ኢራን ልዝብ ክትገብር ድልውቲ’ያ” ዝብል ትሕዝቶ ከምዝርከቦ ዝሓበረ ቢቢሲ ንኢራናዊ ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ንምቕታል ዘገደዳ ምኽንያት ክትሕብር ከምትደሊዉን ኣፍቲ ንባይቶ ፀጥታ ዉድብ ሑቡራት ሃገራት ዝተፅሓፈ ደብዳቤ ከምዝተገለፀ ኣፍሊጡ’ሎ፡፡


0