ኣመሪካ ሓይሊ ምክልኻል ህዋ (ዩኤስ ስፔስ ፎርስ) ኣጣይሳ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  11/04/2012  ኣመሪካ 16,000 ዓቕሚ ሰብ ዝሓቖፈ ሓይሊ ምክልኻል ህዋ (ዩኤስ ስፔስ ፎርስ) ከምዘጣየሰትን ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ከዝመሓደር ፕረዚዳንት ትራምፕ ኣፍሊጦም፡፡

         እዚ ውጥን – ውጥን  ፕረዚዳንት ትራምፕ ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚዳንት ትራምፕ ምጥያስ እዚ ሓድሽ ሓይሊ “ናይ ዓለምና እቲ ዝሐሸን ዘመናዉን ዓውደ ኩናት – ኩናት ህዋ ብምዃኑ እዩ ፡፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ውሕስነትና ብዙሓት ሓደጋታት ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ኣመሪካ ኣብ ህዋ ወተሃደራዊ ፀብለልታ ክህልዋ ኣድላዪ እዩ ” ክብሉ ኣረዲኦም።

         ሓይሊ ምክልኻል ጠፈር ኣመሪካ ንፋልማይ ዓመት ንጥፈታቱ 40 ሚልዮን ዶላር ተሰሊዕሉ ከምዘሎ ዝሓበሩ ፕረዚዳንት ትራምፕ ቀንዲ ስራሕን ሓላፍነትን እዚ ሓድሽ ዉጥን፤ ሓይልታት ምክልኻል ኣመሪካ ኣብ ህዋ ንምስፋር ዘይኮነስ ኣብ ጠፈር ዘለዉ ናይ ኣመሪካ ናውቲ ምሕላው እዩ ክብል ኣረዲኡ ።

     ኣመሪካ ንዚ ሓድሽ ስጉምቲ ወሲዳ ዘላ  ቻይናን ሩስያን ኣብ ጠፈር ሓያሎ ምዕባለታት የርእያ ስለዘለዋ ጠፈር ከም ሓደ ሓድሽ ወተሃደራዊ ዓውዲ ኣተኩሮ ሂባ ክትሰርሓሉ ከምዝተገደደትን ቅድም ክብል ሰላማዊን ንሕንሕ ዘይብሉን ዝነበረ [ጠፈር] ሕጂ ግን ዝተፃበበን ንሕንሕ ዝተመልኦን ኮይኑ’ሎ ክብል ቢቢሲ ንሰብ መዚ ሓይልታት ምክልኻል ብምጥቃስ ፀብፂቡ፡፡

        ኣብ መጀመርታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ጠፈር ናይ ኣመሪካ ምስፍሕፋሕ ንድልየታት ሩስያ ሓደጋ ይኸውን ከምዘሎ ጠቒሱ ምንባሩ’ዉን ቢቢሲ ኣዘኻኺሩ።


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments