ኣልጀርያውያን ኣብ ግዝያዊ ፕረዝደንት እታ ሃገር ተቓውሞ የስምዑ ኣለው፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 02/08/201) ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ተመሃሮ ኣልጀርያ ን3 ወርሒ ግዝያዊ ፕረዝድንት እታ ሃገር ኾይኖም ዝተሸሙ ዓብደል ዓዚዝ ባንሳላህ ኣካል እቲ ዝነበረ መንግስቲ እዩ ብምባል ተቓውመኦም ዝቐፀሉ ኾይኖም ፖሊስ መንብዒ ትኪ ብምትኳስን ማይ ብምንፃግን ንምብታን ፃዕሪ ምግባሩ ተገሊፁ፡፡

እቲ ተቓውሞ ፖርላማ እታ ሃገር ንኣፈ-ጉባኤ ኣልጀርያ ተካኢ ብተቓውሞ ካብ ስልጣኖም ዝተኣለዩ ዓብደልዓዚዝ ቡታፍሊቃ ኮይኖም ክሰርሑ ድሕሪ ምፅዳቑ ዝሰዓበ እዩ፡፡

ባንሳላህ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ዝተሸሙ እኳ ተኾኑ ተቓወምቲ ግን ኣካል ዝነበረ መንግስቲ እዮም ብምባል ሓድሽ ግዝያዊ ፕረዝደንት ክሽየሙ ኣብታ ሃገር መረፃ ክካድን ፀዊዖም ይብል ፀብፃብ ኣልጀዝራ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of