ኢትዮጵያ ድሌት ሱዳናውያን ብምኽባር ኣብ ጎኖም ጠጠው ክትብል እያ ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፡፡

(ኤፍ ኤም መቐለ 04/08/2011) ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገረ ሱዳን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ፈታዊትን ጎረቤትን ኢትዮጵያ ዝኾነት ሱዳን ኣጋጢምዋ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ ብቐረባ ትከታተሎ ከምዘላ ኣፍሊጡ፡፡

ሱዳናውያን ኣብዚ ሕዚ እዋን ገጢምዎም ዘሎ ኣፀጋሚ ኩነታት ብፅንዓት ከምዘስገርዎ ኢትዮጵያ ሙሉእ እምነት ኣለዋ ዝበለ እቲ መግለፂ ኢትዮጵያ ልኣላውነትን ፖለቲካዊ ነፃነት ሱዳን ከምተኽብር ብምግላፅ ሰብ ብፅሒት ሱዳናውያን ንእዋናዊ ኩነታት እታ ሃገር ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ መፍትሒ ከቕምጡ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of