ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ኒኩሌር ኣብ ረብሓ ክውዕል ዝኽእል ሰነድ ስምምዕነት ምስ ሩስያ ተፈራሪማ፡፡

ኢትዮጵያ ቴክኖሎጂ ኒኩሌር ንረብሓ ዘፈራት ሕርሻ፣ ሕክምናን ኢንድስትሪን ክውዕል ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ምስ ሩስያ ተፈራሪማ ኣላ፡፡

ብፍላይ ዘፈር ሕክምና ንምዝማንን መጥባሕቲ ንምክያድን ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ቴክኖሎጂ ኒክሎር ተግባራዊ ንምግባር ከምዝሰርሕ ሚኒስተር ኢኖቬሽን ቴክኖሎጂን ዶክተር ጌታሁን መኩሪያ ተዛሪቦም፡፡

ብተወሳኺ እቲ ቴክኖሎጂ ገዘፍቲ ኢንድስትርታት ንምህናፅ ኣማራፅታት ኢነርጂ ንምጥቃም ዝሕግዝ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም፡፡

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ኣብ ሩስያ ፣ከተማ ሱቺ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 11 መድረኽ ኤክስፖ እዩ ተፈራሪማ ይብል ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of