ኢትዮጵያ ብምኽንያት ረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ንፈለማ እዋን ሞት ኣመዝጊባ፡፡

ብምኽንያት ረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ግዳይ ዝነበራን ሕክምናዊ ሓገዝ ኽግበረለን ዝፀንሓን ጓል 60 ዓመት ሎምዓንቲ ምዕራፈን ስዒቡ ኢትዮጵያ ሃገርና ንፈለማ እዋን ብሰንኪ ረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ሞት ከምዘመዝገበት ሚኒስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስተር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ  ሎሚ ኣብ ዝሃበኦ ቃል እተን ሎምዓንቲ ብረኽሲ ኮሮና ዓሪፈን ዘለዋ 19 መጋቢት ምልክት እቲ ረኽሲ ተራእይወን ምርመራ ድሕሪ ምክያድ 22 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ግዳይ ረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ምዃነን ምስተረጋገፀ ኣብ ፈሊኻ መኸከሚ ሆስፒታል ኤካ ኮተቤ ሕክምናዊ ሓገዝ ኽግበረለን ድሕሪ ምፅናሕ እየን ሎሚ ዓሪፈን ዘለዋ፡፡

    ህዝቢ በዚ ከይተድሃለ ኣብ ጉቡእ መስርሕ ምክልኻል ብዑቱብ ኽነጥፍ ከምዘለዎ ዶ/ር ሊያ ምዒደን፡፡


0