ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ካብ ቀፃሊ ሰሙን ጀሚሩ ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ክገብራ እየን።

(ኤፍኤምመቐለ 04/11/2011) እቲ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ብሓባር ዘካይድዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ልምምድ ምድላውን ብቕዓትን ኣባላት ምክልኻል ሃገር ክብ ብምባል፥ ሰላም ንምኽባር ንዝካየድ ፃዕሪ ዝድግፍን ንምንጋስ ዞባዊ ሰላም ዝሕግዝን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ዓቕሚ ኣብ ሶማሊያ ንዝተዋፈሩ ኣባላት ዓቀብቲ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ (ኣሚሶም) ንምጥንካር እንትኮን ኣስታት 1 ሺሕን 100 ወተሃደራትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብቲ ልምምድ ክሳተፉ እዮም ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ካብ ቀፃሊ ዕለተ ሰኑይ 8 ሓምለ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ 17 መዓልታት ከምዝፀንሕ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዘሎ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላክኽት።

ኣብቲ ልምምድ ካብ ሃገረ ብራዚል፣ ብሩንዲ፣ ካናዳ፣ ጂቡቲ፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመን፣ ጣሊያን፣ ኬንያ፣ ኔዘርላንድስ፣ ሩዋንዳ፣ ሶማሊያ፣ ኡጋንዳን ዩናይትድ ኪንግደምን ዝተውፃእፅኡ ወተሃደራት ክሳተፉ እዮም።

ብተወሳኺ ሰብ ሞያ ዓለም ለኻዊ ትካላት ልምዓት ሕብረት ኣፍሪካን ኣሜሪካን፣ ትካላት ሰላም ኣሜሪካን ዓለም ለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ክሳተፉ እዮም ተባሂሉ።


0

ሪኢቶ ይሃቡ

avatar
  Subscribe  
Notify of