ኢራን – ዝርገሐ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ልዕሊ 50 ሽሕ እሱራት ፈቲሓ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  25/06/2012)

ብሰንኪ ቁልጡፍ ዝርገሐ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኣዋጣሪ ስግኣት ዝተሸመመ መንግስቲ ኢራን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ተፈሪድዎም ዝነበሩ 54 ሽሕ እሱራት ፈቲሑ።

 ወሃቢ ቃል ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከም ዝገለፅዎ እቶም ተፈቲሖም ዘለዉ እሱራት ተመርሚሮም ካብቲ ቫይረስ ነፃ ከም ዝኾኑ ምስ ተረጋገፀን ዋሕስ ምስ ኣቕረቡን እዮም ተፈቲሖም።

 ኣብ ኢራን’ውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን፡ ብውሕድ 77 ሰባት ብረኽሲ ቫይረስ ኮሮና ከም ዝሞቱን ቁፅሪ ግዳይ እቲ ቫይረስ ድማ ልዕሊ 2300 ከም ዝበፅሐ መንግስቲ እታ ሃገር ዋላ’ኳ ተኣመነ ፀብፃባት ፈለጥ’ቲ ዉሽጢ ግን ቁፅሪ ሙዉታት ልዕሊ 200 ከም ዝኾነን ቁፅሪ ሕሙማት ‘ውን ኣዝዩ ከም ዝዛይድን እዮም ዝሕብሩ።

 ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኢራን ከይተረፉ ግዳይ እቲ ኣብ ምዝማት ዘሎ ቫይረስ ከምዝኾኑ ዝሓበረ ቢቢሲ ካብ ሞንጎ 290 ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር እቶም 23 በቲ ረኽሲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተገሊፁ ።

   ኣማኻርን ናይ ቀረባ ሰብን መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካሚኒ ፤ መሓመድ ሚርመሓመዲ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሶኒ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝሞቱ መንግስታዊ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር  ተኣሚኑዩ።

 ህዝቢ እታ ሃገር ብዛዕባ እቲ ሕማም ዝወሃቡ መምርሒታት ክኽተሉን ሚኒስትሪ ጥዕና ድማ ኣድላዪ ቀረብ ከውፍርን እቲ መንፈሳዊ መራሒ ኣዚዙ’ሎ።

  ብተወሳኺ ኢራን ተቕርቦ ዘላ ቁፅራዊ ሓበሬታ እቲ ረኽሲ ሓቂ ከም ዝኾነ ዝገልፅ ኣያቶላህ ካሚኒ ነቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሃገሩዝቐርብ ዘሎ ክሲ ምሕባእ ሓቀኛ መረዳእታ ዝርግሐ እቲ ሕማም ነፂግዎ።

  ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሰብሞያ ጥዕና ውድብ ጥዕና ዓለም ንሰብሞያ ጥዕና እታ ሃገር ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊሮም ከምዘለዉ ቢቢሲ ግልፂ ገይሩ።


0