ኢራን ንወተሃደራት ኣሜሪካ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሚሳይል ፈንያ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  29/04/2012)ኢራን ብትእዛዝ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናይ ዝተቐተለ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢራን ጀነራል ቃሲም ሶሌማኒ ሕነ ንምፍዳይ ዘተኮረ ኣብ ዒራቕ ኣብ ዝመደብሩ ክልተ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ሚሳይላት ከምዝተፈፀመት ሚንስቴር ምክልኻል ኣሜሪካ ኣፍሊጡ።

          ምክልኻል ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ ኣብ ኢርቢልን ኣል-ኣሳድን ዝተብሃሉ ቦታታት ዒራቕ ኣብ ዝርከቡ ክልተ መዓስከራት ኣመሪካ ብውሕድ ክልተ መዋፈርታት ኣመሪካ መጥቃዕቲ በፂሕዎም ኣሎ።

          “ኣብ ዒራቕ ኣብ ዘለዉ መዋፈርታት ኣሜሪካ መጥቃዕትታት ከምዝተፈጸሙ ፈሊጥና ኣለና። ፕረዚደንት [ትራምፕ] ብዛዕብኡ መብርሂ ተዋሂብዎ ብቐረባ ይከታተሎን ንጉጅለ ሃገራዊ ድሕነት የማኽርን’ዩ ዘሎ” ክትብል ወሃቢት ቃል ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ስቴፋኒ ግሪሻም ተዛሪባ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ’ሎ።

            ሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ እቲ መጥቃዕቲ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ብኣሜሪካ ዝተቐተለ ጀነራል ሕነ ንምፍዳይ ዝተወሰደ መጥቃዕቲ ከምዝኾነ ብምግላፅ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ወሲዱ’ሎ።

           ኣብ ልዕሊ ኢራን ንዝፍፀም መጥቃዕቲ መበገሲ ዝኸውን መዋፈሪ ቦታ ንዘፍቀዳ ኩለን መሓዙት ኣሜሪካ ክእደባ ነጠንቅቕ  ክብል ንቲ ድሒሩ ኣብ ልዕሊ ኢራን ንዝዉሰድ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ንኸይተሓጋገዛ ኣቐዲማ ብመንገዲ ሃገራዊ ማዕኸን ዜና ኢርና [IRNA] ኣጠንቂቓ ኣላ።

          ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ጃቫድ ሻሪፍ ብትዊተር ገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ እቲ መጥቃዕቲ ነብሰ ምክልኻል እምበር ኲናት ንምጉህሃር ዝተወስደ ስጉምቲ ዘይምዃኑ ገሊፁ’ሎ።

          ፕረዚዳንት ሃገረ ኣመሪካ ዶንልድ ትራምፕ ብወገኖም እቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ድሕሪ ምግላፆም ኣፍቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ብዛዕባ ዝበፅሐ ጉድኣት ግን ካብ ምዝራብ ተቖጢቦም ኣለዉ፡፡


0