ኢራናውያን ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ንሰብ መዚ ኢራን “ሓሰዉቲ” ክብሉ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፡፡

 (ኤፍኤምመቐለ  04/05/2012) ኣብ ኢራን ዝወደቐት ነፋሪት ዩክሬን ሰብመዚ ኢራን መጀመርያ ኣይወቓዕናያን ኢሎም ምኽሓዶምን ፀኒሖም ድማ ምእማኖምን ስዒቡ ዝተቖጥዑ ዜጋታት ኢራን ንሰብመዚ እታ ሃገር ‘ሓሰውቲ’ ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

          ሰብ መዚ ኢራን ነታ ናይ ዩክሬን መጎዓዝያ ነፋሪት ብሓይልታት ምክልኻል ኢራን ተወቒዓ ህይወት 176 ተቖጢፍ እንከሎ ኣብ ክንዲ ንጌገኦም ኣሪሞም ንሰብኣዉነት ዝጓየዩ ንሰለሰተ መዓልትታት ድሕሪ ክህብዎ ዝፀንሑ ዝተፈላለዩ ሓሶት ንቲ ሓቂ ምግላፆም ብውሕዱ ኣብ ክልተ ዩንቨርሲቲታት ኢራን ኣንፃር መራሕቲ ኢራን ሰልፊ ተቓውሞ ከምዝተኻየደን  ስእሊ ጀነራል ሶሌይማኒ ከምዝቐደዱን ቢቢሲ ፀብፂቡ።

        እቶም ሰልፈኛታት ሃይማኖታዊ መራሒ ዓሊ ካመኒ ካብ መዝነቱ ክወርድ ዝፅውዕን “ሞት ንሓሰውቲ” ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ ናብ ጎደናታት ምስወፁን መንገዲ ምስዓፀዉን ፖሊስ  ሰልፈኛታት ክብትን መንብዒ ጋዝ ከምዝተጠቐመ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ።

       ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ  እቶም ሰልፈኛታት ዘካይድዎ ዘለዉ ሰልፊ ድጋፉ ብትዊተር ገሊፁ።


0