ኢራናዊት ስፖርተኛ ኪምያ ኣሊዛዴህ ብሰንኪ ግብዝነት መራሕቲ ፖለቲካ ሃገራ ስደት ሕርያኣ ከምዝገበረት ኣፍሊጣ ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  05/05/2012) ኣብ ውድድር ኦሎምፒክ ሪዮ 2016   ብቴክዋንዶ ተዓዋቲት ሜዳልያ ነሓስ ዝነበረት ጓል 21 ዓመት እንኮ ኢራናዊት ስፖርተኛ ኪምያ ኣሊዛዴህ ኣካል ናይቲ “ግብዝነት፣ ሓሶትን ናይ ሓሶት ውዳሰን” ፖለቲከኛታት መራሕቲ ሃገራ ክትከውን ስለዘይደለየት ንኢራን ገዲፋ ኣብ ስደት ክትነብር ከምዝወሰነት ገሊፃ፡፡

           ንሓበሬታ ኪምያ ኣሊዛዴህ ብምጥቃስ ቢቢሲ ከምዝፀብፀቦ “ኣነ ሓንቲ ካብተን ሚልዮናት ውፁዓት ኢራናውያን ደቂኣንስትዮ ሓንቲ’የ መራሕቲ ሃገረይ ተኸደኒ ዝበሉኒ ይኽደን ንሶም ዝኣዘዙኒ ይገብር ነይረ። ንሶም ዝበልዋ ኩሉ ኽኣ ይደግማ። ኣነ ብዘመዝገብክዎ ዉፅኢት መራሕቲ ሃገረይ ሑጉሳት መሲሎም ዋላ’ኳ ተቐረቡኒ ‘ጓልኣነስተይቲ እግራ ክትከፍት ክብሪ የብሉን’ ይብሉኒ ነይሮም፡፡ ንዓኣቶም ንሕና ኣይነገድሶምን ፡፡ንዐኦም መሳርሒ ጥራይ ኢና፡፡”  ክትብል ሓቢራ።


0